Bokstart ብትግርኛ
ጥቕምታት ምንባብ
- ምስ ቆልዑ ምንባብ ምጅማር፡ ከይንቕልጥፎ ወይ ንኢሱ ዝበሃሎ ኣይኮነን።
- እቲ ቆልዓ ቋንቋ ክሳብ ዝኽእል ምጽባይ ኣየድልየካን እዩ- ምንባብ እዩ ቋንቋኦም ዘማዕብለሎም!
- ነቶም ዝነኣሱ ቆልዑ ከነንብበሎም ከለና ኣብ መጻሕፍቲ ተገዳስነት የሕድሩን ቋንቋዊ ምዕባለኦም የጠናኽረሎምን እዩ።
- ብሓንሳብ ኮይንና ከነንብብ ከለና ኣብ ሓደ ነገር ብሓባር ከምነቶኩርን ጥዑም እዋን ከምዝልህወናን እዩ ዝገብር።
- ብሓንሳብ ኮይንኩም ከኣ ውሑስን ድልዱልን ዝምድና ትሃንጹ።
እቲ ቆልዓ 6 ኣዋርሕ ክመልእ ከሎ
ምንባብ ብጻወታ ክጅምር ይኽእል እዩ! እቲ ቆልዓ ነታ መጽሓፍ ክድህስሳ- ክሕዛ፡ነቶም ገጻት ክድህስሶምን ንቕድሚትን ድሕሪትን ክገናጽሎምን ዕድል ሃቦ። ኣብ መሬት ኮፍ ኢልካ ነቲ ጻወታ ተሓወሶ። ብዛዕባ እቶም ስእልታት የዕልል፡ ኣመልክተሎምን ድምጽታት ኣስምዕን። ከምዚ ብምግባር እቲ ቆልዓ መጽሓፍቲ ምቕርራብ፡ባህታን ሓባራዊ ተመኩሮታትን እዩ ዝፈጥረለይ ዝብል ስምዒት ከሕድር እዩ።
እቲ ቆልዓ 1 ዓመት ምስ መልአ
እቲ ቆልዓ ነቶም ዝርእዮም ስእልታት ከመልክተሎም እዩ- እቲ ብሓንሳብ ኮይንኩም ትርእዩዎ ብቃላት ግለጹዎን ኣዕልሉሉን። መጽሓፍ ምንባብ ክበሃል ከሎ ግድን ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ከነንብቦ ኣለና ማለት ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ ኣብቲ ጻወታ ምሕዋስን እቲ ቆልዓ ዘርእየና ተበግሶታት ምኽታልን እዩ።
እቲ ቆልዓ 1,5 ዓመት ምስ መልአ
መብዛሕትኡ ግዜ ቆልዑ ምስ መዓልታዊ ሂወቶም ዝተሓሓዝ ኩነታት ዘርእዩ መጽሓፍቲ ወይ ንጹር ስምዒታት ዘርኢ ስእልታት ዘለዎ መጽሓፍቲ እዮም ዝፈትዉ። ግዱስ ኣንባቢ ኩን- ድምጽኻን ገጻዊ ስምዒታትካን ተጠቐመሉ፡ ከተንብቡ ከለኹም እቲ ቆልዓ ግብረ-መልሲ ዝህበሎም ክፋላት ተዛረበሎም። ምድግጋም ከሰክፈካ የብሉን! ሓንቲ መጽሓፍ ደጊምካ ደጋጊምካ ከተንብባ ትኽእል ኢኻ- እቲ ቆልዓ ነታ መጽሓፍ ስለዘለልያ ዓቢ ባህታ እዩ ዝፈጥረሉ።
እቲ ቆልዓ 2 ዓመት ክመልእ ከሎ
ሕጂ ስእልታት ዘለዎ መጽሓፍቲ ብሓንሳብ ምንባብ ክትጅምሩ ትኽእሉ ኢኹም። ነቶም ስእልታት ብተገዳስነት ተመራመሩሎም፡ እቲ ትርእዩዎ ከኣ ተዛረቡሉ፡ ከምኡ`ውን እቲ ቆልዓ ኣብ ንባብ ከምዝሳተፍ ግበሩ። እቲ ቆልዓ ኣብ መደበር ጥዕና ናይ ደቅ 2 ዓመት ሓፈሻዊ መርመራ ጥዕና ክግበረሉ ከሎ ሓድሽ መጽሓፍ ንምግዛእ መግዝኢ ካርድ ህያብ ክወሃበኩም እዩ።
ብቋንቋ-ኣደ መጽሓፍቲ ምንባብ:
ሓደ ቆልዓ ቋንቋ-ኣደ ጽቡቕ ጌሩ እንተደኣ ኣማዕቢሉዎ ካልእ ቋንቋታት ከመሃር ዘለዎ ቅድመ-ኩነት የመሓይሸሉ እዩ። ቋንቋ-ኣደን ካልኣይ ቋንቋን ነንሕድሕዶም ይደጋገፉ እዮም፡ ስለዚ ብክልቲኡ ቋንቋታት ምንባብ ጥቕሚ ኣሎዎ። ኣብ ቤት-ንባብ ብብዙሕ ቋንቋታት ዝተጻሕፉ ዝተዳለዉ መጽሓፍቲ ክትልቅሑ ትኽእሉ ኢኹም።
ኣብ ቤት-ንባብ ዝካየዱ እንግዶታት
ኣብ ናትና ናይ ኢንተርነት ገጽ ኣብ ክሊ-ዕድመ 0 ክሳብ 2 ዓመት ዝርከቡ ቆልዑ ዝግበረሎም እንግዶታት ሓበሬታ ኣሎ። Bibliotekets arrangementer til de minste — Bergen Offentlige Bibliotek